• "ኢራን ክቡር ህያብ ሂባትኒ ኣላ።" ዶናልድ ትራምፕ፡ ሓጸርርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (25 መጋቢት 2026)
    Mar 25 2026
    ** ኢራን ክቡር ህያብ ሂባትኒ ኣላ ክብል ዶናልድ ትራምፕ ተዛሪቡ። ** ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝግበር ዘሎ ውግእ ዘሕደሮ ጽልዋ ምላሽ ንምሃብ ፡ ፊሊፒንስ ሃገራዊ ህጹጽ ኩነታት ጸዓት ኣዊጃ። ** ሰብኣዊ ረድኤት ዝጸዓነት መርከብ ሓለዋ ባሕሪ ሜክሲኮ ናብ ኩባ ኣምሪሓ ።
    Show more Show less
    5 mins
  • "ብምኽንያት ዕረፍቲ ወ/ሮ ወርቅነሽ ህዝቢ ኣብ ሓዘንን ምጽንናዕን ዘርእዮ ዘሎ ምትሕብባር፡ ሓድሽ ምዕራፍ ሓድነት ዘመልክት እዩ።" ኣቶ ፍቕር ረታ (ራያ)
    Mar 24 2026
    ማሕበረሰብ መልበርን ብምኽንያት ዕረፍቲ ወ/ሮ ወርቅነሽ ጥላሁን ኣብ ከቢድ ሓዘን ይርከብ። ካብ መራሕቲ ማሕበረሰብ ዝኾነ ኣቶ ፍቕረ ረታ (ራያ) ፡ ኣብ ከተማ መልበርን ዝርከብ ኣባል ኩሉ ማሕበረሰብባት ኣብ ምብጻሕ ሓዘን፡ ኣብ ምጽንናዕ ብዘይ ኣፈላላይ ዝገብሮ ዘሎ ስራሕ ሞጒሱ። እዚ ምትሕብባርን ምድንጋጽን ካብ ዝሓለፈ እዋን ብዝያዳ ሓይሉ ከምዝተራእየን ምስክሩ ገሊጹ ኣሎ። ወ/ሮ ወርቅነሽ ጥላሁን ናብ ኣውስትራሊያ ካብ ት ኣቱ ክልተ ዓመት'ኳ እንተገበረት ብዝሓደራ ሕማም ካንሰር ኣብ ን ኡስ ዕድሚኣ ክልተ ቖልዑ (ማንታ) ገዲፋ ዓሪፋ። ስነ ስርዓት ቀብራ ድማ ኣብ ወረቢ ንዕለት 28 መጋቢት 2026 ክፍጸም እዩ።
    Show more Show less
    18 mins
  • How to buy Indigenous art and craft ethically in Australia - ስነ ምግባር ዘለዎ ኣገባብ ምዕዳግ ስርሓት ስነ ጥበብ ደቀባት፡
    Mar 24 2026
    Buying Aboriginal and Torres Strait Islander art can be meaningful, but how do you know if it's real and ethical? Fake art is still a problem in Australia, and protections are still developing. This guide helps you understand what to look for, what questions to ask, and where to buy safely. By choosing carefully, you can support First Nations artists and their communities. - ስነ-ጥበብ ኣቦርጂናውያንን ቶረስ ስትራት ኣይላንደርን ምዕዳግ ትርጉም ዘለዎ ክኸውን ይኽእል እዩ ፡ እዚ ኣተዓዳድጋ ሓቀኛን ስነ-ምግባራውን እንተኾይኑ ግን ብኸመይ ትፈልጥ ? ናይ ሓሶት ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ገና ኣብ ኣውስትራሊያ ጸገም እዩ ዘሎ ፡ ገና ውን መከላኸሊታት ኣይተገብረሎምን ዘሎ ። እዚ ትሕዝቶ እዚ ፡ እንታይ ከም እትደሊ ፡ እንታይ ሕቶታት ከም እትሓትት ፡ ኣበይን ብኸመይን ብጥንቃቐ ከም እትዕድግ ዝሕግዝ እዩ ። ተጠንቒቕካ ብምምራጽ ፡ ንቐዳሞት ስነ-ጥበበኛታት ሃገራትን ንማሕበረሰቦምን ክትድግፍ ትኽእል ኢኻ ።
    Show more Show less
    7 mins
  • ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (24 መጋቢት 2026)
    Mar 24 2026
    **ዶናልድ ትራምፕ ምስ ኢራን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ከም ዝዝጀመረ ይገልጽ፡ እስራኤል ግና ኣብ ልዕሊ ኢራንን ሊባኖስን መጥቅዕታ ከምትቕጽል ተፍልጥ። ** ኣብ መንጎ ሕብረት ኣውሮጳን ኣውስትራሊያን ስምምዕ ነጻ ንግዲ ይኽተም... ** ምምዝጋብ ካብዝጅመረሉ ኣትሒዙ ካብ 2015-2025 ኣብ ዝነበረ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ፡እቲ ዝወዓየ ኩነታት ኣየር ከምዝነበረ ተፈሊጡ ።
    Show more Show less
    5 mins
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (23 መጋቢት 2026)
    Mar 23 2026
    ን ሎሚ ሰኑይ 23 መጋቢት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ነታ ኣብ ምበል 66 ዓመት ዕድሚኣ ዝሞተት ወኪል ዓበይቲ ዓዲ ኣብ SBS ሰበይቲ ዊድጃቡል ዊያ ባል ሮዳ ሮበርትስ ክብርን ዝኽርን ይወሃብ ኣሎ ። በቲ ሳሕቲ ዘጋጥም ሕማም ዓይነት መንሽሮ ማህጸን ምስ ሓዛ ድሕሪ ሓጺር ቃልሲ ፡ ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ [21 መጋቢት] ኣብ ሃገራ ፡ ስድራ ቤታ ኣብ እተኸብበትሉ ዓሪፋ ። ።ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ብዛዕባ ረመዳን፡ ኣብ ልዕሊ ምስልምና እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጽል ኢ ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ጽልዋ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ኣመንቲ ምስልምና ዝምልከት ምስ ጋዜጠኛ ብርሃን እስማዒል ዝገበርናዮ ዕላል ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ክቐርብ እዩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ሱዳን ርክብ ትግራይን ኤርትራን ዘጎልብት ዩ ዝተብሃለ መድረኽ ተኻይዱ ። ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ፡ ትግራይ ናብ ኩናት ክመልሳ ዘገድድ ጉዳይ " ተመዛበልትን ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ዘይምምላሶም ዩ” ክብል ገሊጹ። ህወሓት መናእሰይ መስርዕ ክመልኡ፣ ክዕለሙን ክዕጠቑን ፀዊዑ። ፈስቲቫል ፊልም ኣስመራ ብወግዒ ተኸፊቱ። ኢትዮጵያ ተካይዶ ዘላ ተጻባኢ ኣጀንዳ ናይ ወጻኢ ኣእዳው ዘለዎ ምዃኑ ኤርትራ ገሊጻ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ጎንደር ናይ 6 ከተማታት ሰበስልጣን ብዕጡቓት ተቐቲሎም። ኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም። ኣርእስታት ዜና፥ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ እስላማዊ ኣውስትራሊያ [ANIC] ብ ኣባል ሰልፊ ዋን ኔሽን ዝኾነ ኣባል ፓርላማ-በርናቢ ጆይስ ንዝሃቦ ርእይቶታት ኮኒኑዎ። እቲ ብእስራኤል ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጥቃዕቲ ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ባይታ ወራር ከም ዝፍጸም ዝሕብር ምዃኑ ፕረዚደንት ሊባኖስ ዝነበረ ጆሴፍ ኣውን ገሊጹ ። ድሕሪ እቲ ኣብ ሳውዝ ኣውስትራሊያ ዝተካየደ ምርጫ ሰልፊ ዋን ኔሽን እንተ ወሓደ ኣብ ታሕተዋይ ባይቶ ሓደ መንበር ክዕወት ትጽቢት ይግበረሉ:
    Show more Show less
    45 mins
  • "ንመጻብቦ ኩርሙዝ ምሉእ ብምሉእ ክዓጽዎ'የ።" ኢራን፡ ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (23 መጋቢት 2026)
    Mar 23 2026
    ኣርእስታት ዜና፥ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ እስላማዊ ኣውስትራሊያ [ANIC] ብ ኣባል ሰልፊ ዋን ኔሽን ዝኾነ ኣባል ፓርላማ-በርናቢ ጆይስ ንዝሃቦ ርእይቶታት ኮኒኑዎ። እቲ ብእስራኤል ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጥቃዕቲ ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ባይታ ወራር ከም ዝፍጸም ዝሕብር ምዃኑ ፕረዚደንት ሊባኖስ ዝነበረ ጆሴፍ ኣውን ገሊጹ ። ድሕሪ እቲ ኣብ ሳውዝ ኣውስትራሊያ ዝተካየደ ምርጫ ሰልፊ ዋን ኔሽን እንተ ወሓደ ኣብ ታሕተዋይ ባይቶ ሓደ መንበር ክዕወት ትጽቢት ይግበረሉ:
    Show more Show less
    9 mins
  • ህወሓት መናእሰይ መስርዕ ክመልኡ፣ ክዕለሙን ክዕጠቑን ፀዊዑ። (ጸብጻብ)
    Mar 23 2026
    ኣብ ሱዳን ርክብ ትግራይን ኤርትራን ዘጎልብት ዩ ዝተብሃለ መድረኽ ተኻይዱ ። ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ፡ ትግራይ ናብ ኩናት ክመልሳ ዘገድድ ጉዳይ " ተመዛበልትን ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ዘይምምላሶም ዩ” ክብል ገሊጹ። ህወሓት መናእሰይ መስርዕ ክመልኡ፣ ክዕለሙን ክዕጠቑን ፀዊዑ። ፈስቲቫል ፊልም ኣስመራ ብወግዒ ተኸፊቱ። ኢትዮጵያ ተካይዶ ዘላ ተጻባኢ ኣጀንዳ ናይ ወጻኢ ኣእዳው ዘለዎ ምዃኑ ኤርትራ ገሊጻ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ጎንደር ናይ 6 ከተማታት ሰበስልጣን ብዕጡቓት ተቐቲሎም።
    Show more Show less
    7 mins
  • ስንብታ: ተቓላሲት ባህሊ ደቀባት ኣውስትራሊያ ሮዳ ሮበርትስ
    Mar 22 2026
    ነታ ኣብ ምበል 66 ዓመት ዕድሚኣ ዝሞተት ወኪል ዓበይቲ ዓዲ ኣብ SBS ሰበይቲ ዊድጃቡል ዊያ ባል ሮዳ ሮበርትስ ክብርን ዝኽርን ይወሃብ ኣሎ ። በቲ ሳሕቲ ዘጋጥም ሕማም ዓይነት መንሽሮ ማህጸን ምስ ሓዛ ድሕሪ ሓጺር ቃልሲ ፡ ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ [21 መጋቢት] ኣብ ሃገራ ፡ ስድራ ቤታ ኣብ እተኸብበትሉ ዓሪፋ ። እታ ህብብቲ ጸሓፊት ፡ ተዋሳኢትን ዳይረክተርን ኣብ 2016 ስነጥበብን ዓቢ ጽልዋን ኣብ መድረኽን ስክሪን ብዝገበረቶ ኣበርክቶ ተሸላሚት ኦርደር ኦፍ ኣውስትራሊያ እያ። ስድራ ሮዳ ሮበርት ፡ ኤስቢኤስ ስእልን ድምጽን ክዝርግሕ ፡ ህይወታ ከኽብሩን ከዝክሩን ፡ ከምኡ 'ውን ነቲ ነባሪ ዝገደፈቶ ሓድጊ ህይወታ ክዝርዘር ፍቓድ ሂቦም ኣለዉ።
    Show more Show less
    9 mins